ዚሕተም ሕታም

ቀጺሉ ንዝወሃበኩም ምኽሪ ንኽትዳለውሉ ዝሕግዙኹም መዘኻኸሪ ነጥብታት

ብዙሓት ኣለይቲ ሕሙማት ቅድሚ ናብ ሕክምናዊ ምኽሪ ክትወስዱ ምምጻእኩም ዘለውኹም ሕቶታትኩም ብዝርዝር ንኸተዳልው ይመኽሩ እዮም። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ጌርኩም ንኽትዳለዉ ይሕግዘኩም ከምኡ ድማ ዘለውኹም ሕቶታት ንኸይትርስዕዎም ይሕግዘኩም እዩ። ቀጺሉ ንዝወሃበኩም ምኽሪ ንኽትዳለውሉ ዝሕግዝኹም መዘኻኸሪ ነጥብታት።


ምኽሪ ክትወስዱ ክትመጹ ከለኹም ምሳኹም ሰብ ተማሊእኩም ክትመጹ ዲኹም?

‘ካብ ሓደ ሰብ ክልተ ሰብ ብዛያዳ ይሰምዑ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ዝርርብ ስምዒት ዝትንክፍ ምስ ዝኸውን፣ እቲ ዝርርብ ብዛዕባ ከቢድ ዝኾነ ኣርእስቲ ምስ ዝኸውን ወይ ድማ እንተደኣ እቲ ቛንቋ ኣጸቢቕኩም ዘይትመልክዎ ኮይንኩም ምሳኹም ሰብ ክትማልኡ ዝሓሸ እዩ። ዝኾነ ይኹን ነገር ምስ ዘይርደኣኩም ድማ ክትሓቱ ይግባእ። ምኽንያቱ ጥዕናኹም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። 


እንተደኣ ምሳኹም ሰብ ሒዝኩም መጺእኩም እቲ ምኽሪ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ንስኹም እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ከም እትህቡ ከስተብህለልኩም ነቲ ሰብ ክትነግርዎ ትኽእሉ ኢኹም።


እቲ ዝግበር ዝርርብ ኣብ ቪድዮ ክትቀርጽዎ (ክትመልእዎ) ዲኹም?

ኣብቲ ዝግበር ዝርርብ ንዓኹም ከገድስኹም ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ዝርርብ ተመሊስኩም ኣብ ቤትኩም ኮይንኩም ሃዲእኩም ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ እንተ ሓሲብኩም ድማ ቅድሚ እቲ ዝርርብ ምጅማሩ ነቶም ሓካይም ወይ ነርሳት ፍቓድ ክትሓትዎም ንመኽረኩም። ንኣብነት ነቲ ዝመላእክሞ ዝርርብ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢልኩም ንኻልኦት ሰባት ከተመሓላልፍሎም ዝፍቀደልኩም እቶም ሓካይም ወይ ነርሳት ፍቓድ እንተ ሂቦምኹም ጥራይ እዩ።


ውጽኢት መርመራ ደም

ውጽኢት መርመራ ደም ኣቐዲምኩም ብኢንተርነት ክትርእይዎ ትኽእሉ ዶ? ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ገለ ሕቶታት ኣለውኹም ዶ? እቶም ኣለይቲ ሕሙማት ነዚ ውጽኢት እዚ ብዝምልከት ምሳኹም ክዘራረብሉ ትደልዩ ዶ? ወይስ ነቲ ግዜ ብዛዕባ ኻልኦት ነጥብታት ንምምይያጥ ክትጥቀምሉ ኢኹም ትመርጹ?

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ኩነታት ጥዕናኹም 

▢ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ዝዀንኩም ዀይኑዶ ይስምዓኩም ኣሎ? 

▢ ብሰንኪ ኤች. ኣይ. ቪ ወይ መድሃኒታት ዝመጹ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ትብልዎም ናይ ጥዕና ጥርዓናት ኣለውኹም ዶ?

▢ ብዘይካ ኤች. ኣይ. ቪ. ካልእ ጸገም እውን ኣለኒ ኢልኩም ትጠራጠሩ ዶ? 

▢ ንነዊሕ እዋን ዝኣክል ናይ ጥዕና ጥርዓናት ዘለኩም እንተኾይኑ፥ ነዚ ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ምስ ኪኢላታት ሕክምና ወይ ምስ ናይ ኤች. ኣይ. ቪ. ነርሳት ጽቡቕ ጌርኩም ተዘራሪብክምሉ ኔርኩም ዶ?


ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም

▢ ጽቡቕ ይስመዓኩም ኣሎ ዶ? 

▢ ወይስ ሓዘንን ጭንቀትን እዩ ዝስመዓኩም ዘሎ ወይ ካልእ ናይ ኣእምሮ ጸገም የጋጥመኩም እዩ? 

▢ ነዚ ባዕልኹም ትጻወርዎ ዲኹም ወይ ትፈልጦም ሰባት ይተሓጋገዙኻ ድዮም ወይስ ብኻልኦት ሰብ ሞያ ሓገዝ ክወሃበኩም ዘለዎ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኩም?


ካልኦት ክህልውኹም ዝኽእሉ ሕዱር ሕማማት?

▢ ነዚ ዝምልከት ጽቡቕ ሕክምና ይወሃበኩም ድዩ?

▢ ኤች. ኣይ. ቪ. ዘሕድርዎም ጽልዋታትን ሳዕቤናትን ብዝምልከት ሕቶታት ኣለዉኹም ዶ?


ናይ ኤች. ኣይ. ቪ. መድሃኒታትኩም

▢ መድሃኒታትኩም ብመሰረት ዝተዋህበኩም መምርሒ መዓልታዊ ክትወስድዎም ትኽእሉ ኣለኹም ዶ? 

▢ በዞም ሕጂ ትወስድዎም ዘለኹም መድሃኒታት ዕጉባት ዲኹም? 

▢ ካልእ ዓይነት መድሃኒት ብምውሳድ ጥቕሚ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኮይኑ ዶ ይስመዓኩም?


ኣገባብ ኣነባብራኹም

▢ ብኣገባብ ኣነባብራኹም ዕጉባት ዲኹም? 

▢ ወይስ ኣብ ገሊኡ መዳያት ጥዕና ብዘዎ ኣገባብ ንኽትነብሩ ምምሕያሽ ክትገብሩ ትደልዩ ኢኹም? 

▢ ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣገባብ ኣነባብራኹም ኽትቅይርዎ እንተ ደሊኹም ባዕልኹም ዲኹም ክትገብርዎ ወይስ ነዚ ብዝምልከት ክትሕገዙ ትደልዩ ኢኹም?


ብጥዕና ምንባር?

ምትካኽ ሽጋራ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ ምቁራጽ ወይ ምንካይ?

ጥዕና ዘለዎ ናይ ሰብነት ክብደት?

ጥዕና ዚህብ ምግቢ ምምጋብ?

እኹል ምውስዋስ ኣካላት?

ናይ ጾታዊ ሕማም ሓደጋ ምውሓድ?


መጻኢኹም

▢ ብሩህ መጻኢ ዘለኩም ኮይኑ ዶ ይስመዓኩም? ወይስ ዘሻቕልኹም ነገራት ኣለዉ?

▢ ንዓመታት ዝኣክል ናይ ኤች. ኣይ. ቪ ቫይረስ ተሰኪምኩም ምኻድ ወይ ናይ ኤች. ኣይ. ቪ. ቫይረስ መድሃኒት ምውሳድ ብዝምልከት ሕቶታት ኣለዉኹም ዶ?